ካብ ኣድነቕታ ሓደ ዝኾኑ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ጉዌን ምዕራፋ ምስ ሰምዑ ጋዜጣዊ መግለፂ ይህቡ ኣብዝነበርሉ እዋን ናይ ጉዌን ሞያዊ ክቡርነት ኣብ እዋን ቃለ ምልልስ ንዕኦም ካብዝሓተተቶም ሕቶታትን ከይተረፈ ዝፈልጥዎን ዘድንቖዎን ከምዝኾኑ ንስድርኣን ንናይ ሞያ ኣጋራን መሳርሕታን ይገልጹ።
ኣብ PBS ን17 ዓመታት ኣብ ዝሰርሐትሉ እዋን ኣብ PBS News Hourን ኣብ ዋሽንግትን ዊክን ንዝቐርቡ ትንታነታት ብምምራሕን ማኔጂንግ ኤዲተር ብምዃንን ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣገልጊላ።ቅድም ክብል እውን ኣብ ኒውዮርክ ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ከምኡ እውን ባልቲሞር ሳንን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጋዜጣታት ኣሜሪካ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ፀብፃባት ብምቕራብ ብቕዓቶም ካብ ዘመስከሩ ጋዜጠኛታት ሓንቲ ነይራ።በዚ ምኽንያት እውን ብዙሓት ዓበይቲ ሽልማታት ረኺባ እያ።
ወለዳ ካብ ባርቤዶስን ፓናማ ዝመፁ እዮም።ምስ ብዙሓት ኣሕዋታን ኣሓታን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝዓበየት ጉዌን ኣይፊል ወላዲ ኣቡኣ ናይ ኣፍሪካ ሜቶዲስት ኤጲስቆጲስ ቤተ ክርስቲያን ካህንን ተሓላቓይ ስቪላዊ መሰላትን ነይሮም።
ግዌን ኢፊል
ኣብ ማሳቹስተስ ኮሌጅ ሲመንስ ብጋዜጠኝነት ዝተመረቐት ጉዌን ኣብ ጋዜጣ ቦስተን ሄራልድ ብተለማማድነት ሰሪሓ እያ።ኣብ እትሰርሐሉ እዋን ዘርኣዊ ምፍርራሕ ይበፅሓ ነይሩ።ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት ግን ኣብ መወዳእታ 70ዓታት ኣብዚ ጋዜጣ ብሪፖርተርነት ተቖፂራ ሰሪሓ እያ።ብዛዕባ ተመኩርኣ ክትዝክሮ ከላ ጉዌንከም ሓንቲ ፀዓዱ ዘይኮኑ ሒደት ሰራሕተኛታት ዜና ምፅሓፍ ከምዝኽእል፣ኣብዝተውሃበኒ እዋን ፈፂመ ከቕርብ ከምዝእክል ከራጋግፅ ነይሩኒ ትብል ።
ጋዜጠኛ ጉዌይን ኣይፊል ንሸሞንተ ፕሬዝዳንታዊ ወፍርታት ምርጫ ተኸታቲላ ፀብፂባ እያ።ክልተ ናይ ምኽትል ፕሬዝዳንታዊ ክትዓትን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ናይ ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ መባእታዊ ምርጫ ሕፁት ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ ንምዃን ይወዳደሩ ዝነበሩ ሂላሪ ክልንቴንን በርኒ ሳንደርስን ንዘካየድዎ ክትዕ እውን መሪሓ እያ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።
Your browser doesn’t support HTML5
ታሪኽ ሂወት ጋዜጠኛ ጉዌን ኣይፊል