ኣቶ ልደቱ አያሌው መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክገሹ ኣብ ዝፈተንሉ ከምዝኸልከሎም ሓቢሮም

ኣቶ ልደቱ አያሌው - ፋይል

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ትኬት ገዚኦም ኣድላይ ዘበለ ሰነድ ኣማሊኦም ናብ ሃገሮም ክገሹ ኣብ ዝፈተንሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከልኪሉኒ ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ሓላፊ ጨንፈር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ኣቶ ልደቱ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከይሳፈር ካብ ዋና ቤት - ፅሕፈት ናይ ክልከላ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቦምን እቲ ክልከላ ክልዓል ዝኽእል ኣብ ኣመሪካ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እንተኣልዒሉዎ ጥራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣቶ ልደቱ እቲ ዕለት ከይጠቐሱ ብኻልኦት መንገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ከም ዝወጠኑ ወሲኾም ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ 22 ሚያዚያ 2015 ንግብረ ሽበራ ብሕቡእ ክውድቡ ተረኺቦም ብዝብል ምስሎም ብመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ካብ ዘውፅኦም ፍሉጣት ሰባት ኣቶ ልደቱ ሓደ እዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓለፍቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ኣገልግሎት ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።