ልዕሊ 95 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

Your browser doesn’t support HTML5

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንልዕሊ 95 ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ። ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተሳተፈ ዓብድልቓድር መሓመድ “ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንኣስታት 95 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒኖም። እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ካብ ሃገራት ዓረብን ዝመጹ እዮም። እቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምርካቦም ናብ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከቡ ማእከል ስደተኛታት ክግዕዙ’ዮም”ኢሎም።