ሊብያ: ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሕ/ሃ ብዘይፍቓዶም ዝተወስዱ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ
Your browser doesn’t support HTML5
ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ‘ሻርዕ መጠር’ ዝተባህለ ቦታ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ካብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ 20 ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተወስዱ ይገልጹ።
ብተወሳኺ ቅድሚ ስለስተ መዓልታት 20 ጽምዲ ሰብ ሓዳር ካብ ‘ሻርዕ መጣር’ ናብቲ ቦታ ከምዝመጹ እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ።እተን ደቂ ኣንስትዮ ንበይነይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ብምህላወን ክንረኽበን ኣይከአልናን።