ሊብያ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንዝተጠርጠሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝርኸብዎም ኣስታት 200 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ኣዚዛ።
እዚ ዝተፈልጠ ካብ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ጠቕላሊ ዓቓቢ ሕጊ ሊብያ ሰዲቕ ኣል ሶርሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ ብዛዕባ’ቲ ትእዛዝን ምርመራን ከምዚ ኢሎም።
“ኣብ ስርሒት ምስግጋር ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ስቕያት፡ ሞትን ጾታዊ ዓመጽ ዝተጠርጠሩ 205 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ተአዚዙ ኣሎ።”
Your browser doesn’t support HTML5
ሊብያ፡ ንኣስታት 200 ብዘይሕጋዊያ ምስግጋር ሰባት ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ኣዚዛ
ንሶም ብተወሳኺ እዚ ዓንኬል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንአባላት ጸጥታ፡ ሓለፍቲ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት፡ አባላት ኤምባሲ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ ዝርከብዎም ምኳኑ ሓቢሮም።
ሰዲቕ ኣል ሶሪ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምምካት ኣብ መንጎ ኢጣልያን ሊብያን ብዝተበጽሓ ስምምዕ መሰረት ምስ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ ኢጣልያ ብምትሕብባር ኣብ መርበብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ብዝተኻየደ ምርመራ መሰረት እቲ ትእዛዝ ምእሳር እዞም ሰባት ምውጽኡ ገሊጾም።
ንሶም ብተወሳኺ ብመሰረት ዘካየድዎ ምርመራ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ኣብ ነሕድሕዶም ነቶም ስደተኛታት ከምዝሸጡ ይኹን ደአ እምበር ከም “ጊልያ” ከምዘይሽየጡ ምፍላጦም ይገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ናይ ስጳኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ፕሮኣክሪቫ ኦፕን ኣርምስ ሶኑይ መጋቢት 13, 2018 93 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ኢጣልያ ምብጽሖም ገሊጹ’ሎ።