ወሃብቲ ሓገዝ ብውሕጅ ንዝተጎድአ ከባቢታት ሊብያ ይበጽሑ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ወሃብቲ ሓገዝ ብውሕጅ ንዝተጎድአ ከባቢታት ሊብያ ይበጽሑ

ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዕልቕላቅ ውሕጅ ዝሞቱ ኣሻሓት ሰባት ብጅምላ ከምዝተቐበሩ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ ኣለው። ከንቲባ ደርና ብወገኑ ብዝሒ ምዉታት ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ ከምዝኽእል ይዛረብ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ሊብያ በቲ ውሕጅ፣ ኣስታት 5,500 ሰባት ከምዝሞቱ፣ ኣስታት 900 ሰባት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ይገልጹ።

ዓለምለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ 30 ሽሕ ነበርቲ ደርና፣ ብሰንኪ’ቲ ብርቱዕ ውሕጅ ተፈናቀልቲ ኮይኖም ኣለው፣ ካልኦት ኣሻሓት ድማ ናብ ካልእ ከባቢታት ከምዝወጹ ሓቢሩ።

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል 6,000 መቕበሪ ከረጢታት፣ ኣፋውስ፣ መግቢን ካልኦት ቀረባትን ልኢኹ ኣሎ። ጎረባብቲ ሊብያ ዝኾና ግብጺ፣ ኣልጀርያን ቱኒዝያን ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋ ኣዋፊረን። ቱርኪ፣ ኢጣልያን ሕቡራት ኢማራት፣ ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን’ውን ሓገዝ የውፍያ ኣለዋ።

ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃገሮም ገንዘብ ናብ ትካላት ረድኤት ክትልእኽ እያ፣ ምስ ሰበ ስልጣንሊብያን ሕ/ሃን ተሓባቢራ ክትሰርሕ ድልየታ ከምዝኾነ’ውን ኣፍሊጦም’ለው።