ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝካየድ ደብዳብ ነፈርቲ ምዕራባውያን ተቓውሞ እናገጠሞ ይኸይድ ኣሎ

U.S. Air Force KC-135R air fueling tankers are seen at the Souda military base, on the Greek island of Crete, March 22, 2011

ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዳሕረዎት ንደምበ ተቓውሞ ደብዳብ ዝተጸንበራ`የን

ኣህጉራዊ ጥምረት እገዳ-በረራ ሊብያ ካብ በንጋዚ ናብ ክሊ ኣየር ትሪፖሊ የስፍሖ`ሎ። ደገፍቲ ጋዳፊ ድማ ጸረ-ነፈርቲ ብረት ምትኳሶም ቀጺሎም ኣለዉ። ሓንቲ ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ሊብያ ተሓምሺሻ`ላ፡ ጠንቁ ግን መካኒካል`ዩ ዝመስል ይብል ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩናይትድ ስቴትስ።

ቻይና፡ ህጹጽ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ትጽውዕ፡ እቲ ግጭት ሰለማዊ ፍታሕ ክድለየሉ`ውን ትደሊ። ሊግ ዓረብ`ውን ተዓቅቦታቱ ክገልጽ ጀሚሩ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ጃኮብ ዙማ፡ ንመራሒ ሊብያ ብሓይሊ ምውራድ ኣይንድግፍን ኢሎም። ግዳማዊ ጣልቃ`ውን ተቓዊሞም። ”ንሕና ከም ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ኣይፋሉን ንቕትለት-ሲቪላት፡ ኣይፋሉን ንምቕያር መንግስቲ ከምኡ`ውን ንግዳማዊ ጎበጣ ሊብያ ኣይፋሉን ንብል ኣለና”።

ናይ ዚምባብወን ኡጋንዳን ፕረሲደንትታት`ውን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ኣለው። ናይ ናይጀርያ ሚንስተር ወጻኢ`ውን ከምኡ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡