ዋሽንግተን —
ኮሚሽን ምርጫ ላይበሪያ፡ ፕረዚደንታውያን ተወዳደርቲ ጆርጅ ዊያን ጆሰፍ ቦኣካይን እቲ ዘድሊ ድምጺ ስለ ዘይረኸቡ ንኻልኣይ ዙርያ ድምጺ ምሃብ ከምርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ዛጊት 94% ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ኣብ ዝተቖጽረሉ፡ ክልተ ተወዳደርቲ ኣስታት 43% ናይቲ ዝተቖጸረ ድምጺ ረኺቦም ኣለዉ። ክልተ ተወዳደርቲ እቲ ዝድለ መጠን ቍጽሪ ከመዝግቡ ብዘይምኽኣሎም ናብቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተመዲቡ ዘሎ ካልኣይ ዙር ምውሃብ ድምጺ ከምርሑ ምዃኖም ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ።