‘ውርሻታት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ’ መዘራረቢ ኮይኑ

Syrian refugees children play near a snowman in a camp for Syrians who fled their country’s civil war, in the Bekaa valley, eastern Lebanon.

ኣቶ መለስ ዜናዊ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ኣብ ተሓህት/ህወሓት ዝነበሮም ግደ ዕዙዝ ምንባሩ ኣጋይሽና ይገልፁ።

ኣቶ መለስ ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕቲ‘ቲ ውድብ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ዝመፀ ፅልዋ ከምዝነበሮም እውን ኣቶ በርሀ ሓጎስ ሓቢሮም።

ኣቶ መለስ ዝመርሕዎ ህወሓት/ኢህወደግ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ኣካታዒን ተነቃፊን መርገፂ ከምዝሓዘ፣እቲ ኣብ ትግራይ ዝተራኣየ ናይ 21 ዓመታት ስራሕቲ‘ውን እንተኾነ ምስ‘ቶም ካልኦት ክልላት ክነፃፀር ከሎ ዘሕጉስ ከምዘይኮነ ኣቶ ሙሉብርሃን ፀሃየ ገሊፆም።