ሕ/ሃ ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 400,000 ህጻናት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ይሕብር

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 400, 000 ቆልዑ ኣብ  ዝሓለፋ ሰለስተ ሰሙናት ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ሕ/ሃ ወሲኹ ኣብ ማእከል ኵናት ተቐርቂራ ኣብ ዘላ ሊባኖስ ትውልዲ ይበርስ ኣሎ ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።  ብኻልእ ወገን ሰራዊት እስራኤል ንዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣጥቂዖም ዝብል ነቐፈታ ይስማዕ ኣሎ። ኣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ናይ ሊባኖስ ሕዝቡላህ ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ`ላ። አጋር ሰራዊት'ውን ኣዋፊራ አላ።