ፕረዚደንታዊ ተወዳደሪ ጋቦን፡ “ሕጂ’ውን ካብ እንዳ ቦንጎ ኣይወጻእናን”

ኣልበርት ኦንዶ ኦሳ ኣብ እዋን ዝሓለፈ ምርጫ - ፋይል

ቀንዲ ተቓናቓኒ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጋቦን ዝነበረን ናብቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ምትፍናን ዝፈጠረን ኣልበርት ኦንዶ ኦሳ፡ “እቶም ዕልዋ ዝገበሩ መኮንናት ንስልጣን እቲ ቤተ-ሰብ ቦንጎ ንምቕጻል ዝሓለኑ’ዮም፡” ክብል ወቒሱ። እቲ ተወዳዳሪ ነበር ትማሊ ሓሙስ ምስ ናይ ፈረንሳ ቴለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ “ህዝቢ ጋቦን ካብ እንዳ ቦንጎ መለሳ’ዩ ዝደሊ ዘሎ። እዚኣቶም ግን ነቲ ዝነበረ ሰብ ዓልዮም ነቲ ስርዓት ግን ክቕጽሉ’ዮም ዝሓስቡ፡” ኢሉ።

ኣብቲ ብዙሕ ሕድገታት ከም ዝነበሮ ዝንገረሉ ምርጫ እታ ሃገር ቦንጎ ንቐንዲ መወዳድርቱ ኦሳ ብ30% ከም ዝመርሖ ይግለጽ።

ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ጀነራል ብሪስ ክሎታይረ ኦሊጉ ንጉማ፡ ኣቐዲሙ ዓጃቢ ቀዳማይ ፕረዚደንት ዝነበረን ሓላፊ ፍሉይ ኣሃዱ ጸጥታን’ዩ። እንተዀነ እቲ ዕልዋ ገይሩ ቃለ-ማሕላ ንምግባር ዝቀራረብ ዘሎ ጀነራል’ውን ኣባል’ቲ ስድራ ን55 ዓመታት ንጋቦን ዝመርሐ ስድራ ቦንጎን ወዲ ሓወቦኦምን’ዩ።

ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ ንፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ዝዓለዉ መኮንናት፡ ካብ መንበሪ ኣባይቲ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ነበር ብሰናጡ ዝመልአ ገንዘብ ከም ዝመንዝዑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ። እቶም ወታሃደራት “ኣብ ብልሽውና ነይሮምን ገንዘብ ህዝቢ ወሲዶምን” ንዝበሉዎም ሰበ-ስልጣን ነበር ብኣልማማ ይኣስሩን ንብረቶም ይዝርፉ ምህላዎምን እቲ ዜና ይሕብር። ካብ መንጎ’ቶም ዝተኣስሩ ወዱ ንፕረዚደንት ነበር ኑረዲን ቦንጎን ፈጻሚ ዳይረክተር ካቢነ እታ ሃገር ነበርን ይርከቡዎም።