“ዶ/ር መረራ ተግባር ስቅያት ኣይተፈጸሞን” ጠበቓታት

ዶ/ር መረራ ጉዲና- ፋይል

ጠበቓታት ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዝርኸቡ መራሒ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ትማሊ ከምዝረኸብዎምን ከምቲ ክውረ ዝቐነየ ዘይኾነ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ስቅያት ከምዘይተፈጸሞን በተዛማዲ ነጻነት ከም ዘዘራረብዎምን ገሊጾም።

ዶ/ር መረራ ዛጊት ቃሎም ኣይሃቡን ክብሉ’ውን እቶም ጠበቃታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ካብ መንጎ ጠበቓታት ዶ/ር መረራ ጉዲና አቶ ወንድሙ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሎሚ ቅነ ኣብ እዋን ምርመራ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ተግባር ስቅያት ተፈጺምዎም እናተባህለ ክውረ ዝጸንሓ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ’ዩ ትማሊ ከነዘራርቦም ከለና’ውን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኹነት ብዝተፈልየን ብተዛማዲ ነጻነት አዘራሪቦምና ክብሉ ገሊጾም።

ኣቶ ወንድሙ ብተወሳኺ ኣባላት ፖሊስ ንዶ/ር መረራ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ረኺቦም እንተዘራረብዎም’ዃ ብሕጊ’ታ ሃገር ብዝእዝዞ መሰረት ክሳብ ሕጂ ቃሎም ኣይሃቡን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

“ዶ/ር መረራ ተግባይ ስቅያት ኣይተፈጸሞን” ጠበቓታት