ሃዋሳ —
ትማሊ ሰንበት ኣብ ክልል ሲዳማ ወረዳ ወንሾ ኣብ ዝርከብ ቀበሌ ጉዱ ሞና ሆሞ ዝተባህለ ከባቢ ንዝሃረመ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ህይወት 11 ሰባት ሞይቶም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ኣቶ ወሰንየለህ ስምኦን ንድምፂ ኣመሪካ ብቴሌፎን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብኣቆፃፅራ ሰዓት'ቲ ከባቢ ምሸት ሰዓት1፡00 ኣቢሉ ዝሃረመ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ እቲ ሓደጋ ኣብ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት'ውን ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ገሊፆም።
መብዛሕትኦም እቶም መወቲን ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባትን ኣባላት ሓደ ስድራ ምዃኖም ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ይገልፁ። ከምኡ'ውን ኣብ ንብረትን ጥሪትን'ውን ሓደጋ ምውራዱ ሓቢሮም። ሓደጋ ዝበፅሖም ኣብ ሆስፒታል ከተማ ይርጋለም ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎን ሓይሊታት ፀጥታን ሰብ-ሞያ ስግኣት እዋን ሓደጋን ንሓገዝ ናብቲ ቦታ ምውፋሮም ኣቶ ወሰንየለህ ኣፍሊጦም።
ኣብ ከባቢታት ደቡባዊ ኢትዮጵያ ይሃርም ብዘሎ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጥም ምህማም መሬት እዚ ኣብ ክልል ሲዳማ ዘጋጠመ ራብዓይ ፍጻመ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 233 ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።