መጓዓዝያ ምድሪ ናብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

መጓዓዝያ ምድሪ ናብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ

ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጹ ዝጸንሐ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝወስድ መጓዓዝያ ምድሪ፡ ብቐዳም 22 ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ። እዚ ብ'ሰላም ባስ' ዝጀመረ ናይ ምድሪ መጓዓዝያ፡ ብመገዲ ክልል ዓፋር ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ምስቲ ክልል ብምርድዳእ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብን ነቲ ዘሎ ምድንጓያት ንምቅላልን ይሰርሑ ምህላው ሓላፊ መጓዓዝያ ክልል ትግራይ ገሊጾም።