ዋሽንግተን —
ሎስ ኣንጀለስ ሕጋዊ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ሓለዋ ዝህብ ሕጊ ኣፅዲቓ። እዚ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒጥሪ ስልጣን ምስ ተረከቡ ብዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ብጅምላ ከም ዘባርሩ ንዝኣተውዎ ቃል ዝተዋህበ ግብረ መልሲ እዩ። እቲ ናይ ከተማ ሕጊ ሰበስልጣን ፌደራል ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ምብራር ኣይክልክሎምን። እንተኾነ ግን እታ ከተማ ንስደተኛታት ንምዕቋብ ዝኣተወትሉ መፅብዓ ዘረጋግፅ ኢዩ ።