ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ንዩክሬን ናይ ርሑቕ ሚሳይል እንተ ኣዕጢቓ፡ ሞስኮ ንዕኡ ዝመጣጠን ግብረ-መልሲ ክትህብ ምዃና ሎሚ ረቡዕ ኣጠንቂቓ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድይመር ዘለንስኪ፡ ኣመሪካ ርሑቕ ዒላማ ዝሃርም ሚሳይል ከተዕጥቖ ደጋጊሙ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ። ትማሊ ሰሉስ፡ ፕረዚደንት ባይደን ምምሕዳሩ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምምላስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ እምበኣር’ዩ ሩስያ ሕጂ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበት።
ወሃብ-ቃል ክረምሊን ዲሚትርይ ፐስኮቭ፡ ሎሚ ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ምምሕዳር ዋሽንግተን ነቲ ናይ ርሑቕ ሚሳይላት ንዩክሬን ክህብ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ዝበጽሐ ይመስል፡” ድሕሪ ምባል፡ ሃገሩ ንዕኡ ዝመጠጣን ግብረ-መልሲ ከም እትህብ ኣመልኪቱ።
ዝርዝር ናይቲ ሃገሩ እትህቦ ግብረ-መልሲ ዘየነጸረ እቲ ወሃብ-ቃል፡ ኣስዒቡ ግን “ነፍሲ-ወከፍ ብሃገራት ምዕራብ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት (ንወራር ዩክሬን ምዃኑ’ዩ) ስለምንታይ ኣድላዪን ዘይተርፍን ምዃኑ ዘርኢ’ዩ፡” ኢሉ።
ምንጭታት ንኣገልግሎት ዜና ሮይተስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዋሽንግተን ነቲ ሚሳይል ክትህብ ብመትከል ዝተሰማምዐት ክትከውን እንከላ፡ ቅድሚኡ ዩክሬን ከተማልኦ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት ስለ ዘሎ ግን ነዊሕ ኣዋርሕ ክወስድ ምዃኑ ምንጭታት ይጠቕሱ።