ዋሽንግተን —
ቤተ መንግስቲ ሩስያ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣካለይ እትብለን ሓሙሽተ ግዝኣታት ዩክሬን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከም ዘይተእቱ ገሊጻ። ንገለአን ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይትቆጻጸረንን'ያ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ደመትሪ ፔስኮቭ “እተን ግዝኣታት ኣካል ፈደረሽን ሩስያን እየን እዚ ድማ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ዝተጻሕፈን ዘይፍለያ ኣካል እታ ሃገረን እየን” ክብሉ ምዝራቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።
ሩስያ ኣብ 2014 ብወታሃደራዊ ስርሒት ንወሽመጥ ክረምሊን ናይ ዩክሬን ድሕሪ ምቁጽጻራ ረፈረንደም ብምክያድ ነታ ግዝኣት ኣካላ ጌራ’ታ እያ። ዩክሬንን ሃገራት ምዕራብንን ግን ነቲ ረፈረንደም ዘይሕጋዊ’ዩ ክብል ይነቕፉ።
ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ሩስያ ወታሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዩክሬን ድሕሪ ምውፋራ ድማ ንኣርባዕተ ግዝኣታት ዩክሬን ዶነስክ፡ ሉጋንስካ ዛፖሪህንዚን ከሀርሶን ኣካል ሩስያን ክትብል ኣዊጃ እንተኾነ ንዝበዝሓ ክፋል ዶነስክን ሉጋንስን ንዛፖሪህንዚን ከሀርሶን ግን ገለ ክፋል ጥራይ’ያ ትቆጻጸር።
ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለነስኪ ድማ ነቲ ዩክሬን ትቆጻጸሮ ኣማኢት ኪ/ሜ ከርከስ ግዝኣት ሩስያ ከምለውጢ ክወሃብ ይሓትት፡ ሩስያ ግን ነዚ ትነጽግ።