ረድዮታት ርክብ ሒዝቡላህ ብምፍንጃረን 37 ሰባት ሞይቶም ኣስታት 3-ሽሕ ቖሲሎም

ጉጅለ ሑዝብላህ ዝጥቀመሉ ረድዮ መራኸቢታት ብምፍንጃሩ፡ ዛጊት 37 ሰባት ቀቲሉ፡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ድማ ምቝሳሉ ንሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ። እተን ረድዮ ርክብ ብሓይልታት እስራኤል ዝተጻወደ ተተኳሲ ባእታ ተገይሩለን ከም ዝኽእል ይጥርጠር። ሚኒስተር ጥዕና ሊባኖስ በቲ ሃንደበታዊ ፍንጀራ ረቡዕ 25 ክሞቱ እንከለዉ፡ ብሰሉስ ድማ 12 ተቐቲሎም ኢሉ።

ሰብ-መዚ ሊባኖስ ሎሚ ሓሙስ ረድዮ ርክብ ኣብ ነፈርቲ ከይስቀላ ከልኪሎም ኣለዉ። እተን መሳርሒ ረድዮ ርክብ ኣብ ዝዀነ በረራ ሊባኖስ ከይልኣኻ’ውን ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እተን ረድዮ ርክብ ብእስራኤል ገለ መሳርሒ ከም ዝተገብረለን ብሰፊሑ ይዝረብ እኳ እንተሎ፡ እስራኤል ግን ብዛዕባ’ቲ ተግባር ዛጊት ሓላፍነት ኣይወሰደትን።