ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቱርኪየ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 12 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ቱርኪየ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቱርኪየ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 12 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ምቝሳሎም ሰብ-መዚ’ታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ኣብቲ ፋብሪካ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኩሎም ምውጻኦምን እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዉን ገሊጾም ኣለዉ።

ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪየ ዓሊ የርሊካያ ጠንቂ’ቲ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠ ግን መርመራ ይካየድ ምህላው ገሊጾም።