ኣምቦ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝሓለፈ ሰሙን ብዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተጨውዮም ዝተባህሉ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ደባርቕ ከምዘይተለቐቑ ቤተሰቦም ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ ቓል ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ ብወገኑ ካብቶም ብዕጡቓት ሸኔ ዝበሎም ተጨውዮም ዝነበሩ 167 እቶም 160 ዝኾኑ ኣልቂቕና ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ጌርና ኢና ይብል።
ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ቤተሰብ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ግን፡ ደቆም ከም ዘይተለቐቑን እኳ ድኣ ክሳብ ፍርቂ ሚልየን ብር ዝበጽሕ ቤዛ ይሕተቱ ምህላዎም ሓቢሮም ኣለዉ።
እቶም ንዕረፍቲ ዝምለሱ ዝነበሩን ንኣዲስ ኣበባ ኣስታት 80 ኪ,ሜ ክተርፎም ከሎ ዝተጨውዩን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ "ተወላዶ ክልላት ኦሮሞን ደቡብን`ዮም' ዝበለ ወሃቢ ቓል ኦሮሚያ፡ ኣብቲ ነቶም ተመሃሮ ንምድሓን ዝተኻየደ ስርሒት ኢዶም ዝሃቡን ስጉምቲ ዝተወስዶምን ዕጡቓት ኣለዉ ድሕሪ ምባል፡ "ብጥንቃቐ ዝግበር ዘሎ ስራሕ`ዩ፡ ኣብቲ ስርሒት ዝተጎድአ ተመሃራይ `ውን የለን" ኢሉ። ኣቶ ሃይሉ፡ ነቲ ጭውያ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ኦሮሞ ተሓተቲ ጌሩ`ሎ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዘውጽኦን ንሓደ ዓመት ዝሸፈነን ጸብጻብ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝፈጸም ዘሎ ጭውያታት ኣዝዩ ዝተሓሳስብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።