ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ትማሊ ምስ ቴሌቭዥን ኣልሁራ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ንዳዒሽ ንምስዓር 66 ሃገራት ዝርኸብኦ ድልዱል ጥምረት ምዕባለ የርእ’ሎ ኢሎም።
‘ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጽእ ገንዘብ ንምብታኽ ንሰርሕ’ለና። መንእሰያት ብዳዒሽ ከይምረዙ ንዳዒሽ ዝጻረር ተበግሶ ማህበራዊ ሚድያ ብምድላው ንቃለስ’ለና’ ኢሎም።
ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ንዳዒሽ ንምስዓር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ግደ ትዓምም’ላ ዝበሉ ጆን ኬሪ ነቲ ጉጅለ ካብ ናይ ውልቂ ናይ ሕሳብ ባንክታት ገንዘብ ከይበጽሖ ስዑዲ ክትሕግዝ ትኽእል’ያ ኢሎም።
ገለ መንእሰያት መራሕቲ ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ድልውነቶም የርእዩ’ለው ኢሎም።
‘ናይ ዓረብ ኤማራትስ ልኡል መሓመድ ቤን ዛይድ ምስ የሕዋቶም ብምኳን ኣብ ምቅላስ ግብረ-ሽበራ ዝነአድ ራኢ ከምዘለዎም ኣርእዮም’ዮም። ኣንጻር ዳዕሽን ኣል-ቃይዳን ደው ብምባል ንጹር መርገጺኦም ኣርእዮም’ዮም።’
ኣሜሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ቲ ዞባ ከም ኢራቕ ኣብ ዝበላ ንዝረአ ምዕባለ ተተባብዕ ክብሉ’ውን ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጂን ኬሪ ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ንጻዕርታት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምቕላስ ግብረ-ሽበራ ንኢዶም
Your browser doesn’t support HTML5
ሚኒስተር ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ንጻዕርታት ሃገራት ዓረብ ኣብ ምቕላስ ግብረ-ሽበራ ንኢዶም