ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ብኸመይ ክትምዕብልን ክትዕቀብን ትኽእል ኣብ ዝብል ዝዘተየ ሓሙሻይ ዳግመ ምትእኽኻብ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ኣለክዛንደርያ ቨርጂንያ ተቓኒዑ።
ኣወሃሃድቲ ዳግመ ምትእኽካብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ዘዳለውዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰንበት'ዩ ተኻይዱ።
Keren 5th Re-Union
ብዛዕባ`ቲ ዳግመ ምትእኽኻብ ንቪኦኤ ዝገለጸ ኣቶ ዮሃንስ ፈርናንዶ ድራር፡ እቲ በዓል ኣብ ከክልተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ን5ይ ግዚኡ ይብዓል ከምዘሎ ሓቢሩ።
"ከረን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ መጺኦም ዝምሃሩላን ዝነብሩላን ስለዝኾነት ብቛንቋን መነባብሮን ንሕብረ-ብዝሒ ኤርትራ ክትውክል ትኽእል ከተማ`ያ" ኢሉ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርናርዶ ድራር።
ንሱ ብተወሳኺ: ነዚ ሰብኣዊ ሃብቲ`ዚ ናብ ደቅና ንምስግጋርን፡ ነታ ዝተማሃርናላ ቤት-ትምህርቲ ብኸመይ ክንዕቅባን ክነማዕብልና ንኽእል ዝብል ዝጠመተ ምትእኽኻብ`ዩ ነይሩ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ኣቶ ዮሃንስ ከም`ቲ ከረን ዝሓዘለቶ መልእኽቲ ፡ እቲ ማሕበር ንኹሉ ኤርትራዊ ክፉት`ዩ ድማ ኢሉ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓሙሻይ ዳግመ ምትእኽካብ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከረን ተቓኒዑ