ኬንያ: ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ልቓሕ ዝህነጽ ዘሎ መስመር ባቡር ዝምልከት ልዝብ ከተካይድ ከምትደልይ ገሊጻ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኬንያ: ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ልቓሕ ዝህነጽ ዘሎ መስመር ባቡር ዝምልከት ልዝብ ከተኻይድ ከምትደልይ ገሊጻ

ኬንያ ነቲ ዓብይ ቀንዲ መስመር መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ዝወዓለን ካብ ቻይና ዝተለቃሓቶ ቢልዮናት ዶላር ብመሰረት'ቲ ስምምዕ በቲ ዝተታሕዘሉ መደብ ኣብ እዋኑ ትኸፍል'ዃ እንተሃለወት ግን ተኸፊሉ ዝውዳኣሉ ሰለዳ ግዜ ብዝምልከት ከም ብሓድሽ ክትላዘብ ከምትደሊ ገሊጻ።
ሓድሽ ሚኒስተር መጉዓዝያ'ታ ሃገር ንኣባላት ፓርላማ'ታ ሃገር ከም ዝበልዎ ኬንያ ነቲ ልቃሕ ኣብ ምኽፋል ጽቡቕ'ያ ዘላ ግን በዚ ተታሒዝሉ ዘሎ ግዜ 20 ዓመት ክትቅጽል ኣይትኽእልን'ያ ኢሎም።