ድሕሪ ማዕበል ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ንእማመ ወሰኽ ግብሪ ሰሪዙ

ፓርላማ ኬንያ ኣብታ ሃገር በበይኑ ወሰኽ ግብሪ ክገብር ምዃኑ ድሕሪ ዘሕለፎ እማመ ስዒቡ፡ ናይሮቢ ብናዕቢ ሰልፈኛታት ተናዊጻ ድሕሪ ምቕናያ፡ ነቲ ንድፊ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ምዝራዙ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፓርላማ እታ ሃገር ነቲ እማም ኣጽዲቑ ናብ ሕጊ ንምፍራሙ ናብ ፕረዚደንት ሩቶ ብሰሉስ ድሕሪ ምሕላፉ’ዩ፡ እቲ ፕረዚደንት ንጠለብ ህዝቢ ብምስማዕ ሎሚ ውዱቕ ከም ዝገበሮ ወግዓዊ ገይሩ። ፕረዚደንት ሩቶ ሎሚ ሓሙስ “ህዝቢ ኬንያ ዓው ኢሉ ተዛሪቡ’ዩ። ነቲ ድምጺ ሰሚዐ ድማ ነቲ ዝሓለፈ እማመ ሰሪዘዮ ኣለኹ፡” ኢሉ ።

ንመዓልታት ብናይሮቢ ጀሚሩ ንሓያሎ ከተማታት ኬንያ ዘልመሰ ጎነጻዊ ተቓውሞ፡ ብውሑዱ ህይወት 23 ዜጋታት ወሲዱ’ዩ። ምስራዝ እዚ ረቂቕ ነቶም ሰለማዊ ሰልፊ ክመርሑ ዝቐነዩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዓቢ ዓወት’ዩ። እንተዀነ እቲ ተቓውሞ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ኣይሃድአን። ፕረዚደንት ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ድማ ገለ ወገናት ይሓቱ ኣለዉ።