ኬንያ ንሱማሊያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ሱማሊያ ይዘራረብ ኣለኹ ኢላ

Wakimbizi wa kisomali wanasubiri kwa mrondo kupokea chakula katika kituo cha WFP ndani ya kambi ya Dadaab, Kenya, Julai 15, 2011

Wakimbizi wa kisomali wanasubiri kwa mrondo kupokea chakula katika kituo cha WFP ndani ya kambi ya Dadaab, Kenya, Julai 15, 2011


መንግስቲ ኬንያ ኣብቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ዝነብሩ ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ መንግስቲ ሱማሊያ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሱማሊያዊያን ስደተኛታት ኣብቲ መዕቖቢ ይነርብሩ።መብዛሕቲኦም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ መፅለሊ ዝነበሩ እዮም።

መንግስቲ ኬንያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክንድዚ ዝኣክል በዝሒ ህዝቢ ምሽካም ኣብ ፀጥታ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጉዳያት እታ ሃገር የብፅሖ ብዘሎ ፀውራ ሻቖለቱ ክገልፅ ፀኒሑ።

ኣብቲ መዕቖቢ ማእኸል መራሒ መናእሰይ ዓብዲፋታሕ ኢብራሂም ግን ድርድራት ክሳብ ዝዛዘምን ኣብ ሱማሊያ ሰላም ክሳብ ዝዓስልን መንግስቲ ነቲ ናይ ምምላስ ከይዲ ጠጠው ንኸብሎ ፀዊዑ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬንያ ሙታይ ካሪይኩ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ግን እቲ ምምልሳ ንረብሓ ሱማሊያ እውን እዩ ኢሎም።’’እቲ ሕቶ ሓደ መንግስቲ ንኻሊ መንግስቲ ህዝብና ንምውሳድ ቅሩባት ኢና’ሞ ክንወስዶም’ዶ ንኽእል? ስለዝበለ እዩ።መንግስትና ንህዝቢ ሱማሊያ ዝብሎ ዘሎ ሃገርኩም ነፃ ወፂኣ’ላ ናብ ሃገርኩም ንምምላስ ተዳለው እዩ ዝብል ዘሎ።’’

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ከተማታትን መዕቖቢ ስደተኛታትን ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሓይሊ ንምሓዝ ዝወጠኖ ትልሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ውዱቕ ገይሩዎ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት እውን በቲ ናይ ምምላስ ትልሚ ሻቐሎቱ ገሊፁ’ሎ።መንግስቲ ናይቶም ስደተኛታት መሰል ንከኽብር ዋና ሓላፊ UNHCR ኣንቶኒዮ ጉተርስ ኣብ ቀረባ ፀዊዖም ኣለው።ሱማሊያዊያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተኾይኖም መጀምርያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ክመሓየሽ ኣለዎ ኢሉ እቲ ናይ ስደተኛታት ትካል።