ዋሽንግተን —
ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተደጋጋሚ ተቓውሞ ክገጥሞ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ከም ኣካል’ቲ መሳርዕ ካቢነኡ ንምትዕርራይ ዝግበሮ ዘሎ ስጕምቲ ኣርባዕተ ካብቶም ቀንዲ ተቓውምቲ ሰልፊ ኣብ ካቢነኡ ሓዊሱ'ሎ። ሩቶ ካብ መንጎ’ቶም ዝረቝሖም 10 ሓደስቲ ሚኒስተራት እቶም ኣርባዕተ ምስ ተቐናቓኒኡ ራይላ ኦዲንጋ ቅርበት ዘለዎም’ዮም።
ከቢድ ተቓውሞ ዝሰዓቦ ሩቶ ብ11 ሓምለ’ዩ ንመብዛሕትኦም ኣባላት ካቢነኡ ካብ ስራሕ ኣልዩ። ካብ መንጎ’ቶም ንፓርላማ እታ ሃገር ኣስማቶም ተላኢኹ ዘሎ ዓሰርተ ሓደስቲ ኣባላት እቲ ሓድሽ ካቢነ፡ እቶም ሓሙሽተ ካብቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሎም ካብ መዝነቶም ዝተሰጐጉ ይርከቡዎም።