ም/ፕረ. ኬንያ ዝቐረበሉ ክሲ ምውራድ ካብ ስልጣን ደው ክብል ጸዊዑ

ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቻጓ 26 መስከረም 2024.

ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ልዕሊኡ ዝተጀመረ መስርሕ ምውራድ ካብ መዝነት ደው ክብል ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣእትዩ።

ሪጋቲ ጋቻጓ ዓሌታዊ ጽልኢ ተኹቲኹ፡ ንመንግስቲ ንዒቑ፡ ከምኡ`ውን ዘይተፈልጠ መሬት ገቢቱ ተባሂሉ ብኣባላት ባይቶ ኬንያ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ክሲ ተመስሪትዎ`ሎ።

ነቲ ክሲ ዝመስረትሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ክኾኑ ከለዉ፡ ምስቲ ኣብዚ ዓመት`ዚ ዝተኻየደ ጎንጻዊ ኣድማታት ኢድ ኣለዎ ይብሉ። ንሱ ግን እቲ ክሲ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተን ንድልየት ህዝቢ ኬንያ ንምዕፋን ዝግበርን`ዩ ክብል ምንጻጉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎ ዞባ ማውንት ኬንያ ዝኾነ ጋቻጓ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ናብ ስልጣን ንክመጽእ ህዝቢ ብምጉስጓስ ዝሓገዞ እንተኾነ`ኳ፡ ድሕሪኡ ግን መርገጺኦም ክፈላለ ጸኒሑ'ዩ።

ፕረዚደንት ሩቶ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ክሲ ምውራድ ስልጣን ምኽትሉ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ሩቶ ድሕሪ`ቲ ኣድማ፡ ተቓወምቲ ናብ ካቢንኡ ከእቱ ምስ ጀመረ ድማ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሮ ጽልዋ ምጉዳሉ ክግለጽ ጸኒሑ'ሎ።