ኣብ ኬንያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ውዒሉ

አብ መንጎ መንግስቲን ተቃወምቲን ልዝብ ንክካየድ ጻውዒት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዳርባ እምኒ ዝተጸመዱን ተቃወምቲ ኬንያ ሎሚ ዓርቢ ንሳልሳይ መዓልቲ ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨው ተፈሊጡ።

ብርቱዕ ዕርዲ ተቃወምቲ አብ ዝባሃል መንበሪ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣብ ዝኾነ ኪበራ፣ ኣብ መንጎ ፖሊስን ተቃወምቲን ግጭት ከምዝተላዓለ ትካል ዜና ፈረንሳ(ኤ.ኤፍ.ፒ) ጠቂሱ።

ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣድማ ንክካየድ ጻውዒት ዘቅረቡ መራሒ ተቃወምቲ ራይላ ኦዲንጋ እዮም። ተዓጽዮም ዝነበሩ መብዛሕተአን ኣብያተ ትምህርቲን ኣብያተ ንግዲን ትማሊ ሓሙስ ከምተኸፈታ እቲ ዜና ይሕብር።

ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እንትርፊ ሒደት ዘረፋን ብጉጅለ ዕዋሉ ዝተፈጥረ ዕግርግርን፣ ነገራት ናብ ንቡር ይምለሱ ኣለው" ከምዝበለ’ውን ኤ.ኤፍ.ፒ ገሊጹ።