ተቓውሞ ኬንያ ቀጺሉ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ፖሊስ ኬንያ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ይትኩስ - 16 ሓምለ 2024

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ድሒሩ ኣዕሪፉ ዝጸንሐ ህዝባዊ ተቓውሞ ኬንያ ሎሚ ሰሉስ ከም ብሓድሽ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ፖሊስ ተቓወምቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኩሱ። ኣብቲ ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝሓትት ዝደገሰ ተቓውሞ ሓደ ሰብ ምሟቱ ሮይተርስ ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ሰፋሕቲ ተቓውሞ፡ ድሕሪ’ቲ ኣከራኻሪ ዝብሃል እማም ወሰኽ ግብሪ ድሕሪ ምስራዙ ሃዲኡ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ እዋኑ ብውሑዱ 50 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

እዚ ብመንእሰያት ዝተበገሰን ዝምራሕን ተቓውሞ፡ ሕጂ ነቲ ጠንቂ ቍጠባዊ ሕሰምን ዘይምርግጋእን ኢሉ ዝውንጅሎ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝሓትት’ዩ።