ፖሊስ ኬንያ ኣብ ልዕሊ  ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ሃድን የካይድ

  • ዜና ቪኦኤ

ፖሊስ ኬንያ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ዝተወስደ

“ኣብ መሬት ኬንያ ኣትዮም ገበናት ይፍጽሙን ንሰላም እቲ ከባቢ ይዘርጉም ኣለዉ” ኢሉ ንዝጸውዖም ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንምቕራም፡ ፖሊስ ኬንያ ስርሒት ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ብውሽጢ’ውን ሃድን እቶም “ገበነኛታት” ዝበሎም ክካየድ ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ሃገራዊ ፖሊስ ኬንያ፡ እቶም ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ማርሳቢትን ኢሳይሎን ዝተባህለ ወረዳታት ኬንያ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ዕጸ-ፋርስን ካልእ ንብረት ኮንትሮባንድም ከካይዱ ምጽናሖም ይኸስስ።

ፖሊስ ኬንያ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ቦሮና ናይ ኢትዮጵያን መሬት ኬንያን ብዘሎ ምትእስሳርን ናይ ባህሊ ምምስሳልን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዝበሎም ኣብ ማሕበረሰብ ማርሳቢትን ኢሳይሎን ይሕብኡ ከም ዘለዉ ይኸስስ።

ህዝቢ እቲ ከባቢ ንበደልቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ክተሓባበር ድማ ፖሊስ ኬንያ ጸዊዑ ኣሎ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ኬንያ ከም ዝኽብር ብምጥቃስ፡ ንውሕስነት ሓዉ ጎረብባቲ ህዝብታት ዝከኣሎም ክሰርሑ ምዃኖም ጠቒሶም። እቲ ኣሃዱ፡ ኣባላት ሰራዊቱ ስግረ-ዶባዊ በደላት ይፍጽሙ እንተልዮም ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክግበር ምዃኑ’ውን ኣብቲ ናይ ጽሑፍ ምላሹ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነትን ሓበሬታን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ትካላት ጸጥታ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣብ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ዝንቀሳቀሱ ሸኔ ክብል ዝጸወዖም ዕጡቓት ስርሒት ምክያዱ ሓቢሮም።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሰብ-መዚ ጸጥታን ምክልኻልን ፖሊስን ክልቲኣን ሃገራት ልዝብ ምክያዶም ሓቢሩ’ሎ። በዚ መሰረት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ ስርሒት ምጅማሮም እቲ መግለጺ ይሕብር።