ቁጽሪ 'በኒሊን ፐዲያትሪክ' ዝተባህለ ናይ ቆልዑ ሽሮብ ዝኣገዳ ሃገራት ይውስኽ

  • ዜና ቪኦኤ

ኬንያ ነተን ኣቐዲመን ንሽሮቦ 'በኒሊን ፐዲያትሪክ' ዝኣገዳ ከም ታንዛንያ፡ ስዋቲኒ፡ ሩዋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተጸንበረት ዳሕረወይቲ ሃገር ኮይና`ላ።

ቦርድ ፋርማሲን ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ እቲ ሽሮቦ ገሊኡ ክፋሉ ዘይተጻረየ ንጥረ ነገራት ስለዘለዎ ኣብታ ሃገር ከይከፋፈል ኣዚዙ`ሎ።

እቲ ፍርያት ጆንሰን አንድ ጆንሰን ዝኾነ ሽሮቦ ኣብ 2021 ብኣርባዕተ ጽዕነት ናብ ኬንያ ዝኣተወ ከም ዝኾነን፡ ብድምር 44-ሺሕ ዩኒት ምዃኑን ተፈሊጡ`ሎ።

ምስ ናይጀርያዊ መዘንኡ ኮይኑ ዝተዛረበ ዳይሬክተር ቦርድ ፋርማሲ ኬንያ ኣንተኒ ቶሮይቲክ እቲ ንቆልዑ ዝውሃብ ሽሮቦ መርዛማ ንጥረ ነገር ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓቢሩ`ሎ።