ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኬንያ ሃዲሞም

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ግጭት ተቖፃፂረዮ ኣለኹ ይብል

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተልዓለ ህውከት ኣብተን ዝሓለፋ ሒደት ማዕልታት ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኬንያ ምእታዎም ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣፍሊጡ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምዖን ፖሊስ ነቲ ኩነታት ኣህዲኡዎ ኣሎ ክብሉ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ /AFP/ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ነበርቲ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ብሄረሰባት ጋሪን ቦረናን ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ መሬት ከምዝተልዓለ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ይግልፅ።

እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ማዕልታት ዝተልዓለ ግጭት ንዓሰረተታት ሰባት ቐቲሉ ንዓሰረተታት ኣሽሓት ድማ ኣብ ዶብ ግዝኣት ኬንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሞያለ ብግዝያዊነት ከዕቑቡ ኣገዲዱዎም ኣሎ።

ነሊ ሙሉካ ኣብ ሞያለ ሓላፊት ኮምኒሌሽን ቀይሕ መስቀል ኬንያ ንቪኦኤ ኣብዝሃብኦ መግለፂ እቲ ናይ ተፈናቐልቲ ፍሰት ነኪዩ’ሎ ኢለን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ተመዛበልቲ ከምዝይተቐበላን ናይ ኬንያ ቀይሕ መስቀል ዝተኻየደ ምዝገባ መሰረት ድሕሪ እቲ ግጭት 33 ሽሕ ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ኣትዮም ኣለው ኢለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ግጭት ብናይ መሬት ምስሕሓብ ከይኮነስ ብጉዳያት ምምሕዳር ከምዝተፈጠረ ይገልፅ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ በረኸት ስምኦን ንAFP ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፖሊስ ፈደራል ጣልቃ ስልዝኣተወ እቲ ኩነት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀይሕ መስቀል ንቶም ተመዛበልቲ ኮበርታ፡ናይ ጣንጡ መከላኸሊ ዛንዜራን ምግብን ምክፍፋሉ ሓቢረን።

በቲ ግጭት ዝበዝሕ ንብረቶም ስልዝሰኣኑ ገሊኦም ድማ ኣዝማዶም ስለዝሞቱዎም ሃፂፆም ናብ መንበሪ ዓድታቶም ክምለሱ ቅሩባት ኣይኮኑን ኢለን ሙሉካ።

እቲ ግጭት ዝተልዓለሉ ክልል ኦሮሚያ ብምርባሕ ከብቲ ዝናበሩ ማሕበረሰባት ንናይ እንስሳት መግሃጫ ዝጥቀምሉ ከባቢ እዩ።