ኣብ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ጎነጽ ምልዓሉን ገለ መምረጺ ኑቕጣታት ምዕጻዎምን ተሓቢሩ

ሎሚ ሓሙስ ጥቅምቲ 26,2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ጎነጽ ኣብ መንጎ ፖሊስን ነቲ ምርጫ ዝቃወሙ ምልዓሉ፡ብዝሒ ተቓወምቲ ኣብ ዝርከቡለን ከባቢ ዝርከቡ መድመጺ ኑቕጣታት ከይተኸፈቱ ምውዓሎም ተሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ዋፉላ ቸቡካቲ ብዝሒ ተቓወምቲ ኣብ ዝርኸቡለን ኣርባዕተ ክፍለ ግዝኣታት ሆማ ሄይ፡ኪስምዩ፡ሚጎሪን ሲያን ብሰንኪ ኩነታት ጸጥታ እቲ ዳግማይ ምርጫ ንቀዳም 28 ጥቅምቲ ምትሕልላፉ ገሊጾም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዳግማይ ምርጫ ኬንያ ጎነጽ ምልዓሉን ገለ መምረጺ ኑቕጣታት ምዕጻዎምን ተሓቢሩ

ኣብቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ፖሊስ ኣብ ኪስምዩ ዝተላዕለ ግጭት ሓደ ሰብ ምሟቱ ስዒቡ ጎነጽ ምልዓሉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ዝርከቡ መድመጺ ኑቕጣታት ተዓጽዮም ምውዓሎምን ሰበ ስልጣን ምርጫ’ውን ከምዘይተረኽቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኪብረ ዝተካየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሙ፡ ትሑት አታዊ ዘለዎም ዝነብርሉ ከባቢ ናይ ዋና ከተማ ናይሮቢ’ውን ፖሊስ ኣብ መድመጺ ኑቕጣታት መኸላኸሊ ምቕማጦም ተገሊጹ’ሎ።

መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ድሮ እቲ ምርጫ ፓርቲኡ ነቲ ምርጫ ብምቕዋም ናብ ናይ ተቓውሞ ምንቅንስቃስ ከምዝተቐየረ ኣፍሊጡ’ሎ።