ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኣል-በሽር ናብ ኬንያ እንተእቲዮም ንኽእሰሩ ትእዛዝ ሂቡ

ካርቱም ኣብ ሱዳን ናይ ኬንያ ኣምባሳደር ካብ ሃገራ ብምብራርን ኣምባሳደራ ድማ ካብ ናይሮቢ ብምስሓብን ግብረ መልሲ ሂባትሉ።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኬንያ ላዕለዋ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣል በሽር ንኽእሰሩ ውሳነ ብምሕላፉ ዓሚቕ ሻቖለቶም ገሊፆም።

ሞስስ ዋታንጉላ ሎማዕንቲ ኣብዘውፅእዎ መገልፂ እቲ ውሳነ ረብሓ ዘይብሉ፡ መራሕቲ መንግስቲ ካብ ገበናዊ ኽሲ ነፃ እዮም ዝብል መትከል ዝፃባእ እዩ ኢሎምው ኣለው።

ፕሬዝዳንት በሽር ኣብ ዳርፉር ሱዳን ፈፂሞምዎ ብዝተብሃሉ ገበናት ዅናት ብዓምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ይድለዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ትማሊ ሰንበት ፕሬዝዳንት በሽር ናብ ኬንያ እንተኣትዮም መንግስቲ ክኣስሮም ኣለዎ ክብል ትማሊ ሰኒ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።

ካርቱም ኣብ ሱዳን ናይ ኬንያ ኣምባሳደር ካብ ሃገራ ብምብራርን ኣምባሳደራ ድማ ካብ ናይሮቢ ብምስሓብን ግብረ መልሲ ሂባትሉ።