ናይ ታንዛንያ ፕረዝደንት ጆን ማጉፋሊ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ናይ መጀመርያ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ኬንያ ይፍጽሙ’ለው።
ናይሮቢ —
ፕረዝደንት ማጉፋሊ ሎሚ ንሪፖርተራት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኬንያ ንታንዛንያን አገዳሲት እያ ኢሎም። ማእኸል ወፍሪ ሃብቲ ታንዛንያ ብወገኑ 529 ኩባንያታ ኬንያ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ኣብታ ሃገር ገንዘቦም አዋፊሮም አለው። እዚ ድማ ን56 ሽሕ ታንዛንያዊያን ድማ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሮም ኣለው ኢሎም።
ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ታንዛንያ አብ ምብራቕ አፍሪቃ ካብ ዝርኸባ ሃገራት ኢኮኖሚኣ ብቅልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ሃገር እያ ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ኬንያን ታንዛንያን ኢኮኖሚ ሸሪክነት ንምምዕባል ከምዝሰርሓ ሓቢረን