ኬንያ ምስ ሶማል ዘዋስን ዶባታ ከምትኸፍቶ አፍሊጣ

  • ዜና ቪኦኤ

.

መንግስቲ ኬንያ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ርኽብ ንግዲ ንኽድንፍዕን ሰባት ከም ልቦም ንኽመላለሱ ምስ ሶማል ዘዋስን ዶብ ኽከፍቶ’የ ክብል ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሶማል አንጻር አል ሸባብ ትገብሮ ቃልሲ ንምድጋፍ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምስልጣንን ቃል አትዮም’ለው።

ፕረዝደንት ኬንያታ ነዚ ዝተዛረቡ አብ ናይሮቢ ምስ ናይ ሶማል መዘነኦም ፕረዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ አብ ዝተራኸብሉ’ዩ።

ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ዕጽው አኼባ ድሕሪ ምክያዶም ክልቲኦም መራሕቲ ምሕዝነት ብዘንጸባርቕ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለጺ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኬንያ ምስ ሶማል ዘዋስን ዶባታ ከምትኸፍቶ አፍሊጣ