ዋሽንግተን —
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ወርሒ መጋቢት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ፊልም ውድድር ኣዳልዩ ኔሩ። ካብ መንጎ 190 ተሳተፍቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ዝተዓወተት “ስራሕ የብላን” ብዝብል ርእስ ዝቀረበት ሓጻር ፊልም ኮይና፡ብዛዕባ ልዕሊ ሰብኣያ እናሰርሐት ግን `ኣብ ገዛ ኢያ ትውዕል ኣይትሰርሕን`ያ` ዝብል ኣበሃህላ ሕብረተሰብ ተንጸባርቕ ፊልም'ያ።
ካልእ ትሕዝቶ ሎሚ ቂሐ-ጽልሚ፡ ብዛዕባ ጸገማት ምጥሓስ መሰል ዋንነት ንብረት(ኮፒራይት) ክልተ ኣጋይሽ ዓዲማ ኣመያይጣ። ደራሲ`ታ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ሽወደን ዝተመረቐት `ሮጸራ` እሰይ ተስፋጋብር፡ ከምኡ ድማ ደራሲ`ታ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ፡ ኣብ ዋሺንገተን ዲሲ ዝተመረቐት `ዘይረገፈት ዕንባባ` ታደሰ ዑቕባዝጊ (ኣመሪካ)`ዮም።
ካብ ኢትዮጵያ`ውን ብዛዕባ ምጥቃም ቋንቋ ትግርኛ ኣብ መለለዪ ትካላት ንግዲ`ውን ተዛሪብና`ለና ኣብናይ ሎሚ ቂሐ-ጽልሚ፡
ንምልክት ድምጺ ብምጽቃጥ ምሉእ ፕሮግራም ክትሰምዑ ትኽእሉ።
Your browser doesn’t support HTML5