ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ጁባላንድ ምርጫ ብሓለፋ እትድግፎ ሕፁይ የብላን ኢላ

Getachew Reda

ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሱማሊያ ጁባላንድ ምርጫ ካብ ዝተሳተፉ ሕፁያት ንሓደ ወይ ነቲ ኻሊእ ሕፁይ ወይ ጉጅለ ብሓለፋ ኣይትድግፍን ኢላ።

ኣብ ናይ ሱማሊያ ኪስማዮ ዝካየድ ምርጫ ንህዝቢ ሱማሊያ ጥራሕ ከሳትፍ ኣለዎ ዝበሉ ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ናይ ጁባላንድ ምርጫ ካብ ዝተሳተፉ ሕፁያት ብሓለፋ እንድግፎ ሰብ ይኹን ጉጅለ የብልናን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሱማሊያ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት እትግለፀሉ ናብ ዝነበረት ህውከትን ዕግርግርን ንኸይትምለስ ንዘረጋግፅ ከይዲ ኢያ ትድግፍ ኢሎም።

እንተኾነ ኢትዮጵያ ዞባዊ ማሕበር ብዓል ስልጣን በይነ መንግስቲ ልምዓት/ኢጋድ/ ናይ ምስላጥን ምክትታልን ጊደ ንኽህልዎ ኣብ 2011 ኣ/ፈ ንዝተብፅሐ ስምምዕ ትድግፍ።

ኢጋድ ኣብ ከይዲ ጁባላንድ ግዲኡ ፀንቂቑ ክጥቀምዶ ኣለዎ ዝብል ተሓቲቶም ‘’ደም ንኸፍል ኣለና፤ህይወት ንኸፍል ኣለና።ኣብ ማእኸላይን ደቡብን ሱማሊያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዝዋግኡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣለውና።’’ ምስበሉ ምስ ኣል-ሸባብ ዝዋግኡ ሓይልታት ኬንያ፣ህዝቢ ሱማሊያ ጠጠው ንዝበልሉ ዕላማ ደጊፎም ኣብ ሱማሊያ ኣብ ውግእ ዝርከብ ሓይልታት ኣሚሶም’ውን ኣለው ኢሎም።

ደምን ህይወትን ኣብ ምኽፋል ዝርከቡ ወገናት ነገራት ኣብ ሱማሊያ ከመይ ይኽዱ ኢሎም ጊድኦም ኣይፃወቱን ኢልካ ምሕሳብ ትርጉም ኣልቦ እዩ ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።
መንግስቲ ሱማሊያ ሕገ መንስግስቲ ክሳብ ዝፀድቕ ምምስራት ምምሕዳር ጁባላንድ ክፀንሕ ድልየት ኣለዎ።ንናይ ኢጋድ ናይ ምርግጋእ መደብ’ውን ምሉእ ብሉእ ባዕሉ ክቆፃፀሮ ይደሊ መንግስቲ ሱማሊያ።