ብምኽንያት 20 ግንቦት ዝተላኣኸ ሰናይ መግለፂ ኣሜሪካ

ጆን ኬርይ ኣብ ኣዲሳበባ

ብስም ፕረዚደንት በራክ ኦባማን ብስም ህዝቢ ኣሜሪካን እንኻዕ ናብ 20 ግንቦት ኣብፀሐኩም ክብል ይፈቱ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለን ውግእ ፀረ ድኽነትን ዓብዪ ዝላ ኣመዝጊባ’ያ።ኢትዮጵያ ንመብዛሕተኦም ምለንየማዊ ሸቶታት ንምዕዋት ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ኣላ። ዓቃቢ ሰላም ተዋፍር፣መዕቆቢታት ስደተኛ ከፊታን ስለሰላም ትነጥፍን ሃገር እውን እያ።

ኣሜሪካ ንዲሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን ኢትዮጵያ ኣብ ምጥንካር ኣብ ጎንኹም ኣላ ይብሉ ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ።

መፃኢ ጊዜ ሰላምን ራህዋን ዝዓሰሎ ንክኾነልኩም ንኩሉኹም ኢትዮጵያዊያን ንምነየልኩም ይብሉ ጆን ኬርይ ኣብ'ቲ ሎሚ ዝወፀ መግለፂ'ቲ ቤት ዕዮ።