ኣብ ኣሜሪካ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ምሁራት ዓውዲ ቴክኖሎጂ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘይረኽቡ ተገሊጹ

ፋይል

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ኣብ ዝተማህርሉ ዓውዲ ስራሕ ምስኣኖም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ስደተኛታት ምሩቓት ኮሌጅ ኣብ ትሑት ክእለት ዝሓትት ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለው ተገሊጹ። እዚ ድማ ነቲ ብዙሕ ዓቕሚ ዘድልዮ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘጠቓልል ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ። ስለዝኾነ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ሓደ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ንስደተኛታትን ደለይቲ ስራሕ ምስ ኣስራሕቲ ዝራኸብሉ መድረኽ ኣዳልዩ ኔሩ።

ኣብታ ዝበዝሓ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣሜሪካ ዝርከብሉ ብሲሊኮን ቫሊ ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ቦታ ደለይቲ ስራሕ ምስ ኣስራሕቲ ዝራኸብሉ መድረኽ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። እንተኾነ ነዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ፍሉይ ዝገብሮ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 50 ስደተኛታት ስራሕ ዝደልይሉ መድረኽ ብምኳኑ እዩ።

ካልድ ቱርክማኒ ካብ ሶርያ ዝመጸ ስደተኛታት ኮይኑ ቀዳማይ ዲግሪ ብዓውዲ ብኮምፒተር ሳይንስ ዝተመረቐ’ዩ። ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ዝነበራ ቀዳሞት ትሸዓተ ኣዋርሕ ናብርኡ ንምምራሕ ጫማ ብምሻጥ፡ ናይ ገዛ ኣቑሑት ምግጥጣምን መርበብ ሓበሬታ ምድላው ዝአመሰሉ ትሑት አታዊ ዘለዎም ስራሓት ምስርሑ ይገልጽ።

“ሓደ ኣብዚ ዓዲ ዝተወለደ ሰብ ንሰዓት 50 ዶላር ዝረኽበሉ ስራሕ እንዳሰራሕካ ትሑት ኣታዊ ክትረኽብ ብጣዕሚ ዘሕምም’ዩ እንተኾነ ንዓይ ስራሕ ስራሕ’ዩ።”

ካልድ ኣብ ኣፕወርድ ግሎባል ዝተባህለ ክእለት ዘለዎም ስደተኛታት ብሞያኦም ስራሕ ክረኽቡ ዝሕግዝ ትካል ብዛዕባ ስራሕ ምርካብን ምስ ኣሜሪካዊያን ዜጋታት መርበብ ምፍጣርን ዝብል ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ማናጀር ኮይኑ ይሰርሕ ምህላው ይገልጽ።

ካልእ ኢማኑኤል ኢማን ዝተባህለ ስደተኛ ኣብ ኣፕወርድ ግሎባል ዝሰርሕ ኣብ ኣሜሪካ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን ዘድልዩ ነአሽቱ ነገራት ዓብይ ፍልልይ እዮም ዝፈጥሩ ይብል።

“ ንኣብነት ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ንሓደ ሰብ ሰላም ክትብል ከለኻ ኮነ ከተዘራርቦ ከለኛ ዓይኑ ዓይኑ ክትርእዮ ኣለኻ። እዚ ድማ ርእሰ ምትእምማን ዘርእይ እዩ።”

ኢማኑኤል ኢማን ካብ ናይጀርያ ዝመጸ ኮይኑ ኣብ መስርሕ ምድላይ ስራሕ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ከምዝተማህረ ይገልጽ።

ኢቫን ቪስሎች ሩስያዊ ስደተኛ ኮይኑ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሲሊኮን ቫሊ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝመጻሉ ጊዜ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ስራሕ ምርካብ ቀሊል ምኳኑ ብምእማን ምኳኑ ይሕብር።

“ ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሰብ ሞያ ኢና ስለዝኾነ ድማ ኢና ናብዚ ቦታ መጺእና” ይብል።

ቪስሎች ምስ ዝተፈላለየ ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝነጥፋ ትካላት ናይ ስራሕ ዕድል ንምርካብ ከምዝፍትን ይገልጽ ምክንያቱ ተስፋ ምቁራጽ ንቪስሎች ምርጫ ኣይኮነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኣሜሪካ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ምሁራት ዓውዲ ቴክኖሎጂ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘይረኽቡ ተገሊጹ