ቀ/ሚ ጃፓን ምስ ፕረ. ትራምፕ ተራኺቦም ክዘራረቡ'ዮም

ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ሺገሩ ኢሺቢ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ መዝነት ካብ ዝምለሱ ንኻልኣይ ጊዜ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘካይዱዎ ርክብ ምስ መራሒ ወጻኢ ሃገር፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ሺገሩ ኢሺቢ ተራኺቦም ከም ዝዘራረቡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣብታ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብ ዝኾነት ጃፓን ኣስታት 54,000 ሰራዊት ኣመሪካ ተዋፊሮም ይርከቡ።

ቀ/ሚ ጃፓን ኣብዚ ናይ ኣመሪካ ምብጻሕ ነቲ "ብቐዳምነት ኣመሪካ" ዝብል ፖሊስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዘሎ ናይ ምክልኻልን ንግዲን ዝምድና ከይጸልዎ ንምርግጋጽ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።