ቱርኪ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንኩርድሽ ዒላማ ዝገበረ ግብረመልሲ ሂባ

ኣብ ቱርኪ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓለዋ ጸጥታ ይሕይል

ቱርኪ ኣብ ልዕሊ ፒ-ኬይ-ኬይ ዝብሃሉ ዕጡቓት ኩርዲሽ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ሂባ። ብመሰረት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ቱርኪ ነቲ መጥቃዕቲ ዝወስደት: ፒ-ኬይ-ኬይ ንሓደ ኩባንያ ምክልኻል ቱርኪ ብምጥቃዕ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም ብዝብል ተሓተቲ ድሕሪ ምግባራ`ዩ።

በቲ ኣብ ልዕሊ ብመንግስቲ ቱርኪ ዝመሓደር ታርክሽ ኤሮስፐይስ ኢንዱስትሪ ዝተፈጸመን ሓሙሽተ ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ 22 ካልኦት ሰባት`ውን ቆሲሎም`ዮም። መርመርቲ ቱርኪ፡ ካብ መንጎ`ቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ “ ኣባል ኣሸባሪ ፒ-ኬይ-ኬይ ዝኾነን `ሮጀር` ብዝብል ሽም ዝፍለጥን`ዩ" ኢሎም ኣለዉ። ምስኡ ዝሰርሐት ጓለ-ንስተይቲ ግን ዛጊት ኣይተለለየትን ይብል። እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ታክሲ ወሪዶም ክትኩሱ ካመራታት ኣርእዩ`ሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ቱርኪ ኣብ ዝወሰዶ ናይ ግብረ-መልሲ መጥቃዕቲ ኣብ ዒራቕ 29 ዒላማታት፡ ኣብ ሶርያ ድማ 18 ዒላማታት ምህራሙ ኣፍሊጡ`ሎ። ምንጭታት ኩርድ በቲ መጥቃዕትታት ነፈርቲ 12 ሲቪላት ሞይቶም 25 ካልኦት ቆሲሎም ይብሉ ኣለዉ።

ቱርኪ ኣብ ክልተ መዓርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ጸጥታ ኣሐይላ`ላ።