ቀ/ሚ ኢጣልያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣልባንያ ይበጽሓ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ተተኣናግድ ንዘላ ኣልባንያ ንምምስጋንን ንኽልተ መዳጎኒታት ስደተኛታትን ንምብጻሕን ሎሚ ረቡዕ ናብታ ሃገር ተጓዒዘን'ለዋ።

እተን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ነዚ ጉዕዞ ዘካይዳ ዘለዋ ጉዳይ ስደተኛታት ዝለዓለ ዛዕባ ወፍሪ ምርጫ ዝኾነሉ ከባብያውን ፓርላሜንታዊ ምርጫታት ኣውሮጳ ክካየድ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጆርጅያ መሎኒን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባንያ ኤዲ ራማን ካብ ዓለምለኸ ማያት ንዝድሕኑ ኣስታት 3-ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበልን ኢጣልያ ከኣ ንመስርሕ ምሃብ ዑቕባ ከተሳልጥን ስምምዕ ምፍርራሞን ይዝከር። መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ሓደ ወርሒ ክወስድ ከምዝኽእልን ቁጽሪ ናብ ኣልባንያ ዝለኣኹ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዓመት 36-ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል እዉን ተገሊጹ'ሎ።

መሎኒ ነዚ ውጥን ከም ኣካል ምግታእ ስደተኛታት ኣድላይ እዩ ክብላ ከለዋ ጉጅለታት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቃወምቲ ኣባላት ፓርላማን ግን ንዓለምለኸ ሓለዋ ስደተኛታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።