ኢጣልያ መራኽብ ኩናት ናብ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ከምትልእኽ ኣፍሊጣ

ቀዳማይ ሚንስትር ጥልያን ፓውሎ ጀነቲሎ

ኢጣልያ መራኽብ ኩናት ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምትልእኽ ኣፍሊጣ። እዚ ውሳነ'ዚ: ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምእታው ንዘካይድዎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ። ብመሰረት እዚ: መራኽብ ኲናት ኢጣልያ ኣብ ጎድኒ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ብምዃን ደገፍ ክህባ እየን።

መብዛሕትኦም በዚ ሓደገኛን አሰቃቂን ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ጥልያን ዝአትው ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕ ምዃኖም ይፍለጥ።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ጥልያን መራኽብ ኩናት ናብ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ፓውሎ ጀነቲሎ ብዛዕባ እዚ ውሳነ መንግስቲ ጥልያን ከምዚ ይብሉ።

“ሰበ ስልጣን ሊብያ ዘቕረብዎ ሕቶ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን መሰረት ሓገዝ ንሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ንምሃብ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ኩነታት ለውጢ ከምጽእ ኢልና ንኣምን ኢና።”

ኣቐዲሞም ወታሃደራዊ መራኽብ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምፍጻም ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ንምድሓን ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኢጣልያ ኣብ ተኻይዶ ቃልሲ አንጻር ዋሕዚ ስደተኛታትን ማእከላይ ባሕሪ ዝውዕል 116 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምሃብ ውዕል ምእታው ተገሊጹ’ሎ።