ኣሸሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ`ዮም ተባሂሉ
ብሓይሊ ባሕርን ነፈርትን ዝተደገፈ ስርሒት ምድሓን ጣልያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራሕ 150 ሺሕ ሰባት ኣድሒነ ይብል።
ሕጂ ግን ካብ ባሕቲ ሕዳር 2014 ጀሚሩ ነቲ ናይ ድሕነት ስርሒት ጠጠው ኣቢላቶ`ላ። ኣሸሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ`ዮም ተባሂሉ`ሎ:: ነቲ ስርሒት ሕብረት ኤውሮጳ ተተኪኡ`ሎ፡ ግን ክንዲ`ቲ ዝጸንሐ ዓቕሚ ይብሉን።
ጣልያን ነቲ ስርሒት ምድሓን ዝጀመረቶ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኸባቢ ደሴት ላምፐዱሳ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ምስ ሃለቑ`ዩ።
ድምጺ ኣብ`ዚ`ሎ
Your browser doesn’t support HTML5
Italy Migrants