ፕረዚደንት ኢጣልያ ኢላን መስክ ልኡላዊነት ከኽብር ኣተሓሳሲቦም 

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ኢጣልያ ኢላን መስክ ልኡላዊነት ከኽብር ኣተሓሳሲቦም 

ኢጣልያ ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝርከቡ ማእኸላት መጽንሒ ስደተኛታት ንምድላው ዘውጽኣቶ ፖሊሲ ሕጋዊ ዕንቅፋት ገጢሙዎ ኣሎ። ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከቡ ዳያኑ'ታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕብረት ኤውሮጳ ኣሕሊፎምዎ ኣለው።

ኢጣልያ ኣብ ኣልባኒያ ክልተ ማእኸላት መጽንሒ ስደተኛታት ሃኒፃ ኣላ። እዚ ኢጣልያ ዘውጽኣቶ መደብ ነቶም ካብ ዓለምለኸ ማያት ዝደሓኑ ስደተኛታት ናይ ዕቑባ ሕቶታቶም ብቕልጡፍ ንምስላጥን እቶም ዘየማልኡ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ዝተዳለወ እዩ።

ኢጣሊያ ኣብቶም ማእኸላት ኣብ ሓደ ወርሒ ናይ 3,000 ስደተኛታት ጉዳይ ንምርኣይ መደብ ኣለዋ። እዚዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንኸይስደዱ ዝዓግት ቀንዲ መከላኸሊ እዩ።

እንተኾነ ግን ዛጊት ካብ ግብፅን ባንግላድሽን ዝመፁ 24 ስደተኛታት ጥራሕ እዮም ኣብቲ ቦታ ኣትዮም ዘለው፡ ኩሎም ድማ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናብ ሮማ ተመሊሶም ኣለው።