ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ ካብታ ሃገር ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ መንግስቲ ቱኒዝያ ይሰርሓ ምህላወን ገሊፀን።
ንሰን ነዚ ዝገለጻ ኣብ ቱኒዝያ ምስ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ከይስ ስዒድን ቀዳማይ ሚንስተር ናጂል ቦውደንን ተራኺበን ኣብ ዝተዘራረባሉ ኮይኑ፤ ቱኒዝያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝሕግዛ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ትረኽበሉ ኩነታት ከመዓራርያ ምዃነን'ውን ቀዳመይቲ ሚንስትር መሎኒ ነቲ ናይ ትማሊ ናይ ቱኒዝያ ዑደተን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ። ብተወሳኺ ቀ/ሚ መሎኒ ኣብ ቀረባ ምስ ፕረዚደንት ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ አርስላ ቮንደርሊየን ናብ ቱኒዝያ ክምለሳ ምዃነን ገሊጸን።
መሎኒ ሃገረን ምስ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዘለዋ ስጡም ንግዳዊ ርክብ ብምሕባር ኢጣልያ ልዕሊ 7 ቢልየን ዩሮ ዝዋግኡ ንግዳዊ ርክብን ኣብታ ኣህጉር ዝሰርሓ 900 ትካላት ከምዘለዋ ሓቢረን።
ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢጣልያ ኣንቶዮ ታጃኒ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣካል ናይቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቅላስ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ዝኾነ ሓድሽ መደብ 4,000 ቱኒዝያውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ቱኒዝያ ኣሰልጢኖም ቪዛ ፍቓድ ስራሕ ብምሃብ ኣብ ኢጣልያ ናብ ስራሕ ክዋፍሩ ንምግባር መደብ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም ነይሮም።
ኢጣልያ ከምዚ ዝበለ ክልቲኣዊ ፕሮጀክት ዘዳለወትላ ብሕታዊት ሃገር ቱኒዝያ ምዃና ታጃን ወሲኾም ሓቢሮም ኔሮም።
ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብታ ሃገር ዝኣትው ቁጽሪ ስደተኛታት ከምዝወሰኸ ክትግለፅ ፀኒሓ'ያ።
ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራሕ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ 50,000 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ክኾኑ ከለው ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር ከሎ 20,000 ስደተኛታት ከምዝኣተው ካብዚኦም እቶም 7% ቱኒዝያዊያን ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ቱኒዝያ ዝብገሱ ስደተኛታት ካልኦት ሃገራት ምኻኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ሓቢሩ።