ፖሊስ ኢጣልያ ብምስግጋር ደቂሰባት ዝድለዩ ዝበሎም 29 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ፖሊስ ኢጣልያ ብምስግጋር ደቂሰባት ዝድለዩ ዝበሎም 29 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

እቶም ንኣርባዕተ ዓመታት ክደልዩ ዝጸንሑ ተጠርጠርቲ፡ ነቶም ስደተኛታት ክሳብ 16 ሺሕ ዶላር ዝበጽሕ እናኽፈሉ ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከም ዘስግሩን ድሕሪኡ ድማ ብመሬት ናብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ከምዝወስዱዎምን ፖሊስ ኢጣልያ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብዚ ጉዳይ መብዛሕቲኦም ግዳያት ብሸነኽ ቱርክን ግሪኽን ናብ ኢጣልያ ዝሰገሩ ምዃኖም ይግለጽ'ሎ።

ፖሊስ ኢጣልያ ነቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ምሓዝ፡ ኣብ ቱርኪ፡ግሪኽ፡በልጅም፡ጀርመን፡ስዊድን፡ብሪጣንያ ከምኡ`ውን ሞሮኮ ዘለዉ ብጾት ተሓባቢሮምና`ዮም ይብል። እቲ ወፍሪ ምትሓዝ ትማሊ ረቡዕ ኣስታት 200 ዝኾኑ ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ተዋፊሮም ከምዘዐወትዎ`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 29 ሰባት፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ክሲ ከምዝቐርበሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ`ሎ።