ዋሽንግተን —
ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ይቃላሕ ንዘሎ ጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦ ነጺጎምዎ።
ኔታንያሁ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመሪካ፣ ድሕሪ ፒርል ሃርበር ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣል-ቃይዳ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ፣ ንምቁራጽ ተጻብኦ ክትሰማማዕ ከምዘይትኽእል፣ እስራኤል’ውን ድሕሪ ኣሰቃቂ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ምስ ሓማስ ናብ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ኣይክትኣቱን እያ ኢሎም።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንምቁራጽ ተጻብኦ ጻውዒት ምቅላሕ ማለት እስራኤል ንሓማስ ኢዳ ክትህብ ማዕረ ምጽዋዕ ማለት እዩ። ንግብረ ሽበራ ኢዳ ንክትህብ፣ ንባርነት ኢዳ ክትህብ ምጽዋዕ ማለት እዩ። እዚ ድማ ዘይኸውን ነገር እዩ ኢሎም።
ብዝተኣሳሰረ ምዕባላ፣ ድሕሪ’ቲ ኣሰንባዲ ጥቅዓትን ዝሳዓበ ሞት ፩፵0 እስራኤላዊያንን ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ንዝቀረበሎም ጻውዒት፣ ቀ፨ሚ ኔታንያሁ ነጺጎምዎ ኣለው።