ቀ/ሚ እስራኤል ኣባላት ሕ/ሃ ካብ ደብዳብ ዝካየደሎም ከባቢታት ሊባኖስ ክወጹ የጠንቅቑ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚ እስራኤል ኣባላት ሕ/ሃ ካብ ደብዳብ ዝካየደሎም ከባቢታት ሊባኖስ ክወጹ የጠንቅቑ

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ካብ ብኲናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ሊባኖስ ክወፁ ኣተሓሳሲቦም። እስራኤል ንሕዝቦላህ ዒላማ ምግባራ ኣብ ዝቐፀለትሉን ኣብ ቀረባ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ሓሙሽተ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምቑሳሎምን እዩ እዚ መጠንቀቕታ ዝስማዕ ዘሎ።

ሕዝቦላህ ድሕሪ 7 ጥቅምቲ መጥቓዕቲ ሓማስ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማዊያን ንምድጋፍ ንሰሜናዊ እስራኤል ብምጥቅዑ እቲ ውግእ ቀፂሉ'ሎ።